ንድሕሪት ተመለስ

ናይ ሞያ ትምህርቲ



2ይ. ደረጃ ሞያዊ ቤት/ት
ሞያዊ ዓውደ ትምህርቲ ብዝቀለለ መንገዲ 1 ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምሃር ፣ ከምኡ ድማ 3 ዓመት ኣብ ትካላት/ካምፓኒታት ልምምድ ብምኻድ ክትዛዝሞ ይክኣል። እዚ ኣገባብ ትምህርቲ ፍሉይ መሰጋገሪ መንገዲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዓውደ ትምህርቲ: ብመሰረት ፕሮግራም ናይ ትምህርቲ፣ ኣብ ግዜ ትምህርቲ ፣ ኣብ ግዜ ልምምድ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ትቀስም።
2ይ. ልምምዳዊ ትምህርቲ
መሰጋገሪ መንገዲ: 3/4 ዓመት
ቀዳማይ ዓመተ ትምህርቲ ምስ ወዳእካ: ቅድሚ ቀንዲ ስራሕ ምጅማርካ ዝዋሃብ ልምምድ ናይ ስራሕ ትምህርቲ ከተጠናቅቅ: ናብ ትካላት/ ካምፓኒታት ትኸይድ። ብሞያ ተማሂርካ ክትሰርሓሉ ዘኽእለካ ምስክር ወረቀት ክትወስድ እንተድኣ ኴንካ፣ ነቲ ብክልሰ- ሓሳብን ብግብርን ዝተመሃርካዮ ትምህርቲ ዝውሃበካ ፈተናታት ክትሓልፍ ይግብኣካ። ሽዑ ናይ ሞያ ትምህርቲ ከም ዝተምሃርካ ዝገልጽ፣ ክትሰርሓሉ እትኽእል ናይ ሞያ ምስክር ወረቀት ትውሃብ።