ናይ ሞያ ትምህርቲ
2ይ. ደረጃ ቤት/ት
ዝበዝሑ ኣብዚ ሞያዊ ትምህርቲ 2 ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ 2 ዓመት ድማ ኣብ ትካላት/ካምፓኒታት ልምምድ የካይዱ። ሾሞንተ ናይ ሞያ ፕሮግራም ትምህርቲ ይርከቡ። ኣብ ካልኣይ ዓመተ ትምህርቲ ሓደ ሞያዊ ፕሮግራም ትምህርቲ ብምምራጽ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትምሃር።
2ይ. ደረጃ ሞያዊ ቤት/ት
ድሕሪ ቀዳማይ ዓመት፡ ሓደ ሞያዊ ትምህርቲ መሪጽካ ትምሃር። ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዝመረጽካዮ ሞያዊ ትምህርቲ ነቲ ኣብ ካልኣይ ዓመት እትምሃሮ ሞያዊ ትምህርቲ ይውስኖ።
1ይ. ልምምዳዊ ትምህርቲ
2 - 3 ዓመት
2ይ.ዓመተ ትምህርቲ ምስ ወዳእካ ናብ ትካላት/ ካምፓኒታት ትኸይድ ። ስራሕ ቅድሚ ምጅማርካ ዝዋሃብ ልምምድ ናይ ስራሕ ትምህርቲ ተጠናቕቕ። ናይ ሞያ ምስክር ወረቀት ክትወስድ እንተድኣ ኴንካ: ኣብዘን ናይ ትምህርቲ ዓመታት ብክልሰ- ሓሳብን ብግብርን ዝተመሃርካዮ ትምህርቲ ፣ ፈተናታት ክትሓልፍ ይግብኣካ። ናይ ሞያ ትምህርቲ ከም ዝተምሃርካ ዝገልጽ፣ ኣብ ስራሕ ዓለም ክትሰርሓሉ እትኽእል ናይ ሞያ ምስክር ወረቀት ትውሃብ።