ንድሕሪት ተመለስ
Tigrinja
ዪኒቨርስትን ኮለጃትን
1-8 ዓመት
ናይ ሓደ ዓመት ትምህርቲ
・1 ዓመት ፣ 60 ነጥቢ
ናይ ኮለጃት ሑጹይ
・2 ዓመት ፣ 120 ነጥቢ
ባችለር ዲግሪ
・3 ዓመት ፣180 ነጥቢ
ማስተር ዲግሪ
・2 ዓመት 120 ነጥቢ
ዶክቶረይት(ፒኤች.ዲ)
・3 - 4 ዓመታት
ማስተር ዲግሪ
・5 years, 300 credits
ዶክቶረይት(ፒኤች.ዲ)
・3 - 4 ዓመታት
ዝለዓለ ሞያዊ ዓውደ ትምህርቲ
・5 - 6 ዓመት ፣ 300-360 ነጥቢ
ዶክቶረይት(ፒኤች.ዲ)
・3 - 4 ዓመታት
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
År
ናይ ሓደ ዓመት ትምህርቲ
1 ዓመት ፣ 60 ነጥቢ
ብዙሓት ናይ ትምህርቲ ትካላት ናይ ሓደ ዓመት ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ዕድል ይህባ። እዚ ፕሮግራም እዚ ናይ ባችለር ትምህርቲ ንምጥንቃቅ ወይ ውን ኣብ ናይ ሞያ ኮርስታት ክትኣቱ ዕድል ይህብ።
ናይ ኮለጃት ሑጹይ
2 ዓመት ፣ 120 ነጥቢ
ገለ ዩኒቨርሲቲ ኮለጃት ናይ ዩኒቨርሲቲ ኮለጃት ናይ ሕጹይ መዓርግ ዝብል ስም ይህባ። እዚ ማእከላይ መዓርገ ትምህርቲ ኮይኑ ፣ ብድሕሪዚ ናብ ናይ ባችለር ዲግሪ መዓርግ ከማዕብሎ ትኽእል።
ባችለር ዲግሪ
3 ዓመት ፣180 ነጥቢ
ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ዲግሪ ትምህርቲ ኮይኑ፣ ብሓደ ፍሉይ ዓውደ ፍልጠት ትምህርቲ ትቀስም። ብድሕርዚ ዓውደ ትምህርቲ ናብ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ክትቅጽል ትኽእል።
ማስተር ዲግሪ
2 ዓመት 120 ነጥቢ, 5 years, 300 credits
ናይ ማስተር ዲግሪ ትምህርቲ ኣብ ምርምርን ከምኡውን፣ዑሙቅ ምጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ ዓውዲ ትምህርቲ እዩ። ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ዓውዲ ትምህርቲ ክትኣቱ ናይ ባችለር ዲግሪ የድልየካ። ዩኒቨርሲቲ፣ ኮለጃት ናይ ማስተር ዲግሪ ንምጥንቃቅ ልዕሊ 5 ዓመታት (300 ነጥቢ) ዕድል ይህባ።
ዝለዓለ ሞያዊ ዓውደ ትምህርቲ
5 - 6 ዓመት ፣ 300-360 ነጥቢ
ብዝተፈላለየ ሞያ ብቁዕ ኪኢላ ብምዃን ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮ፡ ንኣብነት ከም ሓኪም ፣ ናይ እንስሳታት ሓኪም፣ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ ፣ ከምኡውን ናይ ስነ-ሃይማኖት ኪኢላ ፣ ትሰርሕ። ገለ ገለ ዝልዓለ ሞያዊ ዓውደ ትምህርቲ ኣብ ናይ ማስተርስ ዲግሪ መዓርግ የምርሕ።
ዶክቶረይት(ፒኤች.ዲ)
3 - 4 ዓመታት
ናይ ዶክቶር ምዓርግ: እቲ ዝለዓለ ኣብ ኖርወይ እንቅበሎ ኣካዳሚያዊ ዲግሪ እዩ። እዚ ዝለዓለ ኣካዳሚያዊ ዲግሪ መሰረቱ ማስተር ዲግሪ ወይ ውን ንዑኡ ዝመጣጠን ትምህርቲ እዩ። እዚ ናይ ዲግሪ ትምህርቲ መሰረቱ ኣብ ስነ ምርምር ዝተሞርኮሰ እዩ።
Les mer om høyere utdanning
ፍልመ ትምህርቲ
ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘእቱ ብቅዓት ምስ ዘይህልወካ፣ ዕድሜኻ 25 ዓመት ምስ ዝኸውን፣ ሓፈሻዊ ናይ ትምህርቲ ፍልጠት ምስ ዝህልወካን፣ ተኸፊልካ ይኹን ከይተኸፈልካ ዝሰራሕካዮ፣ ወይውን ልምምድ ዝገበርካሉ ሰነድ ምስ ዝህልወካ ፣ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክትሓት መሰል ኣለካ።
ሞያዊ ትምህርቲ
ካብ 6 ወርሒ - 2 ዓመት
ኮማዊ ኮለጃት
1 ዓመት
ካልኦት ዓይነት ትምህርታት
JavaScript must be enabled for this website.