ኮማዊ ኮለጃት
1 ዓመት
ብዙሓት 2ይ. ደረጃ ቤት/ት ምስ ወድኡ ኣብ ኮማዊ ኮለጃት ሓደ ዓመት ክምሃሩ ይመርጹ። ኮማዊ ኮለጃት ነጻ ወይውን ክርስትያናዊ ኢልና ኣብ ክልተ ንኸፍሎ። ኩለን ካብ መርመራ ነጻ ዝኾና ኣሕዳርያን ኣብያተ ትምህርቲ እየን። ኮማዊ ኮለጃት ዝተፈላለየ ዓይነት ኮርሳት ዘጠቃለለ ኮይኑ ፣ ሙዚቃ ፣ ድራማ ፣ ስነ ጥበብ ፡ ኢደ ስርሓት ፣ መራኸቢ ብዙሓን( ከም ጋዜጣ ረድዮ ተለቪጅን) ፣ ናይ ጉዕዞ ወኪላት ከምኡ ድማ ስፖርት ይርከብዎ። ሓንቲ ዓይነት ኮርስ ትመርጽ።ዝበዝሓ ኮማውያን ኮለጃት ዝቅበልኦ ዝተሓተ ዕድመ 18 ዓመት ክኸውን ከሎ ፣ ገለ ገለ ግን ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዘለዎም'ውን ይቅበላ እየን።