ንድሕሪት ተመለስ

ካልኦት ዓይነት ትምህርታት

ወታደራዊ ትምህርቲ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ሃገረ ነርወይ።

ሲቪላዊን ወተሃደራውን ትምህርቲ ካብ ዝተሓተ ሞያዊ ሰርቲፊኬት ስጋብ ዝልዓለ ናይ ማስተር ዲግሪ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ትምህርቲ፣ ሓይልታት ምክልኻል ሃገረ ነርወይ ትምህርቲ ትቐስም። ብመሃንድስነት ፣ መኮነን (ወታደራዊ)፣ ኣመሓዳሪ፣ ባሕረኛ፣ ከምኡውን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፡ ትምረቕ። ወተሃደራዊ ቤት ትምህርቲ፣ ሓይልታት ምክልኻል ሃገረ ነርወይ ፣ ልዕሊ 500 ኮርሳት ኣብ ዓመት ዓመት ይህብ።

ቀጻሊ ትምህርቲ

እዚ ትምህርቲ፡ ብተዓጻጻፍነት ኣብ ስራሕ ዓለም እናሃለኻ ክትመሃሮ ትኽእል። ከምኡውን ኣብ ትርፊ ግዜኻ፣ ብኢንተርኔት ፣ ኣብቲ ቦታ ተረኺብካ ብሰሚናር መልክዕ ክትምሃሮ ትኽእል ። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ፣ ብዝነበረካ ትምህርትን ፣ ናይ ስራሕ ተመኩሮታትን ፡ ብቅዓትካ ተወሲኑ ክትኣቱ ትኽእል ።

ትምህርቲ ኣብ ትካላት

ብዙሓት ትካላት ንሓደ ፍሉይ ሞያ ብቑዕ ዝገብረካ ትምህርትን ስልጠናን ይህባ። ። ገለ ካብ ኮርሳት ወርሓዊ ደሞዝ እናተኸፈልካ ትምሃሮ ፣ ሲዒቡውን ግዴታዊ ናይ ኣገልግሎት ግዜ ተበርክት።

ቀጺልካ ብዙሕ ኣንብብ
ኣገልግሎት ግምሩኽ , ናይ በረራ ኣገልግሎት(ኣገልግሎት ነፈርቲ), ምምሕዳር ምድሪ ባቡር ሃገረ ነርወይ, ቅልጡፍ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ኤርፖርት ባቡር, ምምሕዳር ኣገልግሎት ገበነኛታት