ሓፈሻዊ ትምህርቲ
2 ደረጃ ቤት/ት ቀዳማይ ዓመት
1 ዓመት ሓፈሻዊ ፍልጠት
ኣብዚ  ናይ ሓፈሻዊ ፍልጠት ትምህርቲ ፣ ሓሙሽተ ናይ ትምህርቲ መደባት ይርከባ ። ንሳተን ድማ፣ ስፓርት ፣ ስነ - ጥበብ፣  ስእልን ስነ - ህንጻን ፣ ዜናን መራኸቢ ብዙሓንን፣ ሙዚቃ ፣ ሳዕስዒትን ድራማን፣ ከምኡውን  ሓፈሻዊ ብኹሉ  ዓይነት ዓውደ ትምህርትታት ምጽናዕ እየን።
2ይ.ደረጃ ቤት/ት 2ይ.ዓመት
2 ዓመት
ድሕሪ ቀዳማይ ዓመተ ትምህርቲ ፣ እትደልዮ ዓውደ ትምርቲ መሪጽካ እትምሃረሉ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም። ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት መሪጽካ እትምሃረሉ ዓመት እዩ።
2ይ. ደረጃ ቤት/ ት 3ይ.ዓመት
3 ዓመት
ድሕሪ ካልኣይ ዓመት ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት መሪጽካ እትምሃረሉ ዓመት እዩ።  ሳልሳይ ዓመተ ትምህርቲ ምስ  ወዳእካ ፣ እንተድኣ ሓሊፍካ ፣ ብኣጠቃላሊ ሓፈሻዊ ስነ- ትምህርቲ ከም ዝወዳእካ ዝሕብር ምስክር ወረቀት ትቅበል።