ንድሕሪት ተመለስ

ዝያዳ ሓበሬታ


ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ነርወይመዋእለ ህጻናትመባእታዊን ማእከላይን ደረጃ ቤት ትምህርቲRett til opplæringግዴታዊ ኣስተምህሮኣብ መባእታዊን ማእከላይን ደረጃ ቤት/ት ዝወሃብ ፍሉይ ኣስተምህሮ ቋንቋካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲኣብ ቤት/ት ካልኣይ ደረጃ ዝወሃብ ፍሉይ ኣስተምህሮ ቋንቋናብ ዩኒቨርስቲ ወይ ኮሌጅ ዘእቱ ሓፈሻዊ ብቅዓት ትምህርቲብቅዓት ሞያመሰረታዊ ብቅዓትላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ

ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ነርወይ

ትምህርቲ ኣብ ነርወይ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ብነጻ እዩ። ንኹሉ ዕቊባ ሓታቲ ይኹን ከምኡውን ንኹሉ ኣብ ነርወይ ክቅመጥ ዝመጸ: ትምህርቲ መሰሉን ግቡኡን እዩ።

መዋእለ ህጻናት

ዝበዝሑ ኣብ ነርወይ ዝነብሩ ቆለውዕ: ስጋብ ክሊ ዕድመ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ዝጅምሩሉ ዕድመ ዝበጽሑ ናብ መዋእለ ህጻናት ይኸዱ ።ናይ መዋእለ ህጻናት ክፍሊት ገንዘብ ብወለዲ ይኽፈል። መዋእለ ህጻናት፡ ንምዕባለ ኩሉ ቆልዓ ኣብ ምዕዛዝ ይነጥፍን፣ ኣብ ኩነታት ናይቶም ቆልዑት ተሞርኪሱ ምስኩነታቶም ዝማጣጠን ምድላዋት መዋእለ ህጻናት ይህብ።
ኣብ ዕቊባ መሕተቲ ቦታ ዝቅመጡ ቆልዑ፣ ክሳብ መንበሪ ፍቃድ ዝረኽቡን፣ ሓደ ምምህዳር ከም ነበርቲ ቦታ ክሳብ ዚህቦምን ቦታ ናይ መዋእለ ህጻናት ክረኽቡ መሰል የብሎምን። ተኾነ ግን ገለ መሰል ናይ መዋእለ ህጻናት ዘይብሎም ቆልዑት፡ ቦታ ናይ መዋእለ ህጻናት ክረኽቡ እውን ዝኽእሉሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ኣብ መዋእለ ህጻናት ቦታ ተረኺቦም፣ ልክዕ ከም ካልኦት ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ህጻናት ማዕረ ዝኾነ መሰል ኣለዎም።

መባእታዊን ማእከላይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ

መባእታዊን ማእከላይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዓሰርተ ዓመት ዘጠቃለለ ኮይኑ ኹሎም ኣብ ክሊ ዕድመ ካብ 6 -16 ዓመት ዝርከቡ ቆልዑ ፣ ብግዴታ ይምሃሩ። ነቲ ኣብ መባእታዊን ማእከላይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝውሃብ ኣስተምህሮ ከተማዊ ምምሕዳር ብሓላፍነት ይሰርሓሉ። ትምህርቲ ብነጻ ኮይኑ ፣ ተምሃራይ ኩሉ ንዕኡ ዘድልዮ ዘበለ ናይ ትምህርቲ መሳለጥያታት ከም መጻሕፍቲ ፡ ጥራውዝቲ ፡ መጽሓፊ………ወዘተ ብነጻ ይውሃቦ። መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ 2 ይኽፈል መባእታ ካብ 1-7 ክፍሊ ማእከላይ ደረጃ ካብ 8-10 ክፍሊ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ሪሒቆም ዝቅመጡ ፣ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎምን ፣ መጉዳእቲ ዘጋጠሞምን ተምሃሮ፣ ናብ ቤት ትምህርቲ መማላለሲ ነጻ ናይ መጐዓዝያ መሰል ኣለዎም። ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ፣ተምሃራይ ነጥቢ ናይ ትምህርቲ ኣይተሓዘሉን። ተምሃራይ ንመጀመርያ ግዜ ነጥቢ ናይ ትምህርቲ ዝዋሃቦ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ፣ እዝውን ንመዳይ ኣስተምህሮ ናይቲ ተማሃራይን፣ ነቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ንምምራጽ መሰረት ኣብ ምዃን ይሕግዝ። ተምሃራይ 15 ዓመት ዕድመ ምስ መልኤ ባዕሉ ወይ ባዕላ ብምርጭኦም ናብ ቀጻሊ መደብ ትምህርቲ ይሓቱ። መሰል ትምህርቲ ዝኾነ ቆልዓ ኣብ ነርወይ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ዝቅመጥን፣ ከምኡውን ንመንበሪ ፍቃድ ሓቲቱ መልሲ ምስ ዝጽበን: ናይ መባእታውን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቲ ፣ ክምሃር መሰል ኣለዎ። ኣብ ኖርወይ ምንባሩ ሕጋዊ ይኹን ዘይሕጋዊ፡ ኣብዚ ኣገዳስነት ኣይህልዎን። ብጀካ ነርዌጅያን ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡ ተምሃሮ: ከም ኩሉ ኣብ መባእታውን ማእከላይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ዝኣመሰለ መሰል ኣለዎም። ነጻ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ፣ ተማጣጣኒ ኣስተምህሮ ናይ ምርካብ ፣ ፍሉይ ትምህርቲ ናይ ምርካብ፣ ኣድላዪ ተኾይኑ ካብን ናብን ቤት ትምህርቲ መጉዓዝያ ናይ ምርካብን፣ ከምኡውን ናብ ዝቀረበ ቤት ትምህርቲ ክምደቡ ምሉእ መሰል ኣለዎም ። ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክኣቱ መሰል ዘይረኸበ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ዝኾነ ሰብ ፣ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡዎ፡ ንዓበይቲ ንዝተዳለወ ተማጣጣኒ መባእታዊ ኣስተምህሮ ኪወስድ መሰል ኣለዎ። ክምሃር እተኾይኑ ግን ኣብ ነርወይ ሕጋዊ ነባሪ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ሃገር ብሕጋዊ ዝቅመጡ: መንበሪ ፍቃድ ዝሓተቱ ግን ጉዳዮም ጌና ዘይተወደአ መናእሰይ፣ ዕድሚኦም 18 ዓመት ስጋብ ዝመልኡ፣ ከምኡውን ኣብ ነርወይ ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ክቅመጡ ዝሓስቡ ተኾይኖም ነዚ ትምህርቲ ክምሃሩ ይፍቀደሎም። መናእሰይ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ እናሃለዉ 18 ዓመት ምስ ዝመልኡ ዝጀመርዋ ዓመተ ትምህርቲ ስጋብ እትውዳእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክጸንሑ መሰል ኣለዎም። መንበሪ ፍቃድ ሓቲቶም ፡ መንበሪ ፍቃድ ዘይረኸቡ (መንጸግቲ ዝተዋህቦም) ስጋብ ናይ መንጸግቶም ጉዳይ ኣብ መጨረሻ ውሳኔ ዝበጽሕ ፡ ናይ መባእታውን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቲ ምምሃር መሰሎም ዝተሓለወ እዩ። ዝኾነ ካብ 16 ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎ ተምሃራይ ፣ ነቲ ኣብ መዳይ ኣስተምህሮ ናይቲ ተምሃራይ ኣገዳሲ ዝኾነ መምርሒ ናይ ምርካብ መሰል እውን ኣለዎ። እቲ ሰብ ዝቅመጠሉ ምምሕዳር፡ ነቲ እቲ ተምሃራይ ዘለዎ ብቅዓት ሞያ ናይ ምግምጋምን ነቲ ዘለዎ መሰል ኣስተምህሮ ናይ ምክትታልን ሓላፍነት ኣለዎ።

Rett til opplæring

Barnet har rett til grunnskoleopplæring når det er sannsyndivg at han eller hun skal oppholde seg i Norge lenger enn tre måneder, også mens hun eller han venter på svar på søknad om oppholdstillatelse. Det har ingen betydning om oppholdet i Norge er lovdivg eller ikke.

Minoritetsspråkdivge elever har de samme rettighetene som andre elever i grunnskolen. De har rett på gratis opplæring, tilpasset opplæring, spesialundervisning og transport til skolen ved behov, og rett til å gå på nærskolen.

Personer over 16 år som ikke har rett til videregående opplæring, har som hovedregel rett til tilpasset grunnskoleopplæring for voksne hvis de trenger det. De må også ha lovdivg opphold i Norge.

Dette gjelder også mens de venter på å få avgjort søknaden om oppholdstillatelse, inntil 18 år og det er sannsyndivg at de skal være i Norge i mer enn tre måneder. Hvis ungdommen fyller 18 år i løpet av et skoleår, har han eller hun rett til å fullføre skoleåret de har begynt på. De som får avslag på søknaden om oppholdstillatelse, har rett til grunnskoleopplæring fram til dato for endedivg vedtak.

Personer over 16 år kan også ha rett til rådgivning for å få kartlagt behovet for opplæring. Kommunen personen bor i har ansvar for å vurdere realkompetansen og følge opp retten til opplæring.

ግዴታዊ ኣስተምህሮ

ዝኾነ ቆልዓ ወይውን መንእሰይ ኣብ ነርወይ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ተቀመጠ ስጋብ እታ ዕድሚኡ 16 ዓመት ዝመልኣላ ክረምቲ (ማለት ትምህርቲ ዝዕጸወሉ ግዜ) ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ግዴታ ኣለዎ። እዚ ማለትውን ተምሃራይ ነቲ ዝደለዮ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምምራጽ መሰል ከይሃለዎ፣ ኣብ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ፣ ከምኡውን ብመንግስቲ ፍቃድ ኣብ ዝተዋህቦ ግላዊ ቤት ትምህርቲ ወይውን ብግሊ ኣብ ገዛኻ ኮንካ እትምሃረሉ መንገዲ ገይሩ ይምሃር። ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ፣ ዞባዊ ምምሕዳር (ፊልከስ ማን)ነቲ ተምሃራይ ካብ ግዴታዊ ትምህርቲ ናጻ ክገብሮ ይኽእል።

ኣብ መባእታዊን ማእከላይን ደረጃ ቤት/ት ዝወሃብ ፍሉይ ኣስተምህሮ ቋንቋ

ኖርወጂኛ ወይ ቋንቋ ሳሚ ቋንቋ ኣዲኡ ዘይኮነ ተምሃራይ፣ ክሳብ ነቲ ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ንቡር ትምህርቲ ክካታተል ዘኽእሎ ብቅዓት ቋንቋ ኖርወጂኛ ዘጥሪ: ናይ ፍሉይ ኣስተምህሮ ቋንቋ ዕድል ኽረክብ ምሉእ መሰል ኣለዎ ። ፍሉይ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ማለት እቲ ተማሃራይ ንዘለዎ ብቅዓት ቋንቋ ነርዌጅያን ንምሕያል ዝውሃቦ ተወሳኺ ፍሉይ ናይ ቋንቋ ኖርወጂኛ፣ ኣስተምህሮ ቋንቋ ኣደን ድርብልሳናዊ ኣስተምህሮ ኣብ ሓደ ወይ ብዙሕ ዓይነት ትምህርቲ (ሳብጀክት) ዘመልክት እዩ። ብቋንቋ ኣዲኡ ምምሃር ማለት ፣ ትምህርቲ ቋንቋ'ዲኡ ይምሃር ፣ ከምኡውን ድርብልሳናዊ ኣስተምህሮ ማለት እቲ ተማሃራይ ኣብ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ወይውን ብዙሕ ዓይነት ትምህርቲ ብቋንቋ ኣዲኡን ብቋንቋ ነርዌጅያን ሓገዝ ይውሃቦ። ኣውራጃዊ ምምሕዳር: ኣብ ነፍስ ወከፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ፣ ተምሃሮ ኣየናይ ዓይነት ፍሉይ ኣስተምህሮ ክግበረሎም ከምዘድሊ ይውስን። እዚ ማለት ሓደ ተማሃራይ እንታይ መሰልን ግዴታን ከም ዘለዎ ከተማዊ ምምሕዳር ውሳኔ ይገብር ። ተማሃራይ ይኹን ወለዲ/መዕበይቲ በቲ ዝተወስደ ውሳኔ ምስ ዘይዓግብሉ ናብ ዞባዊ ምምሕዳር (ፊልከስ ማን)ጥርዓን ከቅርቡ ይኽእሉ።

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ከምቲ ግቡእ: ሓደ መንእሰይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወድኤ ወይ ውን ንዕኡ ዝበቅዕ ትምህርቲ ምስ ዝህልዎ ፣ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናይ ሙሉእ ጊዜ ኣስተምህሮ ክረክብ መሰል ኣለዎ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክምሃር ዝሓትት ተምሃራይ ፣ ኣብ ነርወይ ሕጋዊ ዝኾነ መንበሪ ፍቃድ ምስ ዝህልዎ ጥራይ መሰሉ ዝተሓለወ ይኸውን ። ኣብዚ ሃገር ብሕጋዊ ዝቅመጡ: መንበሪ ፍቃድ ዝሓተቱ ግን ጉዳዮም ጌና ዘይተወደአ መናእሰይ፣ ዕድሚኦም 18 ዓመት ስጋብ ዝመልኡ፣ ከምኡውን ኣብ ነርወይ ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ክቅመጡ ዝሓስቡ ተኾይኖም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክምሃሩ ይፍቀደሎም። መናእሰይ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ እናሃለዉ 18 ዓመት ምስ ዝመልኡ ዝጀመርዋ ዓመተ ትምህርቲ ስጋብ እትውዳእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክጸንሑ መሰል ኣለዎም። መንበሪ ፍቃድ ሓቲቶም ፡ መንበሪ ፍቃድ ዘይረኸቡ (መንጸግቲ ዝተዋህቦም) ስጋብ ናይ መንጸግቶም ጉዳይ ኣብ መጨረሻ ውሳኔ ዝበጽሕ ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምምሃር መሰሎም ዝተሓለወ እዩ። ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ደድሕሪ እቲ ናይ 10 ዓመት መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝስዕብ ኮይኑ፣ መእተዊ ናብ ላዕላይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ናይ ሞያ ብቅዓትን፣ መሰረታዊ ብቅዓትን ዚህብ ኣስተምህሮ እዩ። መሰረታዊ ፍልጠት ዝብሃል ካብ ኣጠቃላሊ መእተዊ ፍልጠትን ፡ ካብ ሙሉእ ሞያዊ ፍልጠት ብደረጃ ዝተሓተ እዩ። ዕድመ ተመሃራይ 15 ዓመት ምስ መልኤ ፣ ብናቱ ድልየት ንቀጻሊ ትምህርቲ ይሓትት። ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብነጻ እዩ። ተምሃራይ ኩሉ ዘድልዮ ናውቲ ትምህርቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ይረክብ ፣ ግን ከም ኣድላይነት እቲ ትምህርቲ ገለ ገለ ዘድልዮ ናውቲ ትምህርቲ ብግሊ ባዕሉ ከማልእ ይኽእል። እዚ ድማ፡ ንግብራዊ ስልጠና ዝወስዱ፣ ተላማመድትን ንግብራዊ ስልጠና ዝተሓጸዩን እውን ይምልከት እዩ። ተመሃራይ ካብ ቤት ትምህርቲ ሪሒቁ ምስ ዝቅመጥ ፣ ወይ ውን ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ዝህልዎ ፣ ከምኡውን መጉዳእቲ ምስ ዝህልዎ፣ ተመሃራይ ናብ ቤት ትምህርቲ መማላለሲ ነጻ ናይ መጐዓዝያ ምድላው ክግበረሉ ሙሉእ መሰል ኣለዎ።

ኣብ ቤት/ት ካልኣይ ደረጃ ዝወሃብ ፍሉይ ኣስተምህሮ ቋንቋ

ኖርወጂኛ ወይ ቋንቋ ሳሚ ቋንቋ ኣዲኡ ዘይኮነ ተምሃራይ፣ ክሳብ ነቲ ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ንቡር ትምህርቲ ክካታተል ዘኽእሎ ብቅዓት ቋንቋ ኖርወጂኛ ዘጥሪ: ናይ ፍሉይ ኣስተምህሮ ቋንቋ ዕድል ኽረክብ ምሉእ መሰል ኣለዎ ። ፍሉይ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ማለት እቲ ተማሃራይ ንዘለዎ ብቅዓት ቋንቋ ነርዌጅያን ንምሕያል ዝውሃቦ ተወሳኺ ፍሉይ ናይ ቋንቋ ኖርወጂኛ፣ ኣስተምህሮ ቋንቋ ኣደን ድርብልሳናዊ ኣስተምህሮ ኣብ ሓደ ወይ ብዙሕ ዓይነት ትምህርቲ (ሳብጀክት) ዘመልክት እዩ። ብቋንቋ ኣዲኡ ምምሃር ማለት ፣ ትምህርቲ ቋንቋ'ዲኡ ይምሃር ፣ ከምኡውን ድርብልሳናዊ ኣስተምህሮ ማለት እቲ ተማሃራይ ኣብ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ወይውን ብዙሕ ዓይነት ትምህርቲ ብቋንቋ ኣዲኡን ብቋንቋ ነርዌጅያን ሓገዝ ይውሃቦ። ኣውራጃዊ ምምሕዳር: ኣብ ነፍስ ወከፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ፣ ተምሃሮ ኣየናይ ዓይነት ፍሉይ ኣስተምህሮ ክግበረሎም ከምዘድሊ ይውስን። እዚ ማለት ሓደ ተማሃራይ እንታይ መሰልን ግዴታን ከም ዘለዎ ከተማዊ ምምሕዳር ውሳኔ ይገብር ። ተማሃራይ ይኹን ወለዲ/መዕበይቲ በቲ ዝተወስደ ውሳኔ ምስ ዘይዓግብሉ ናብ ዞባዊ ምምሕዳር (ፊልከስ ማን)ጥርዓን ከቅርቡ ይኽእሉ።

ናብ ዩኒቨርስቲ ወይ ኮሌጅ ዘእቱ ሓፈሻዊ ብቅዓት ትምህርቲ

ናብ ዩኒቨርስቲ ወይ ኮሌጅ ዘእቱ ሓፈሻዊ ብቅዓት ትምህርቲ ምስ እትሕዝ፣ ናብ ዝበዝሓ ዩኒቨርስትታትን ኮለጃትን ኣቲኻ ክትመሃር ክትሓትት ትኽእል። ተኾነ ግን፣ ነቲ ሰነድ ብቅዓት ምሓዝካ ጥራይ ናብቲ ዚሓተትካዮ ዩኒቨርስቲ ወይ ኮለጅ ክትኣቱ ውሕስነት ይህበካ ማለት ኣይኮነን። ናብ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ኮለጅ ንምእታው ዝደለየ ተምሃራይ፣ ነቲ እቲ ዩኒቨርስቲ ወይ ኮለጅ ዝጠልቦ መእተዊ ነጥቢ ዘማልአ ክኸውን ይግብኦ።

ብቅዓት ሞያ

ምስክር ብቅዓት ሞያ ምሓዝካ፣ ኣብ ሓደ ፍሉይ ዕዮ ክትነጥፍ ዘክእለካ ትምህርቲ ወዲስካ ከምዘለካ ዝነግር እዩ። ዝኾነ ሰብ ናይ ሞያ ፕሮግራም ትምህርቲ መደባትን ኣከባቢኦምን ብምምራጽ ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሞያ ብቅዓት ትምህርቲ ከማልእ ይኽእል። ሞያዊ ትምህርቲ ክምሃር ዝመረጸ ሰብ፣ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብስነሓሳብ ተማሂሩ ክልተ ዓመት ድማ ነቲ ብስነሓሳብ ዝተማህሮ ብግብሪ ንኽፈልጦ ናብ ትካላት/ ፋብሪካታት ይኸይድ።

መሰረታዊ ብቅዓት

መሰረታዊ ብቅዓት ዝብሃል፥ ካብ ኣጠቃላሊ ብቅዓት ትምህርቲን ፡ ካብ ሙሉእ ሞያዊ ፍልጠትን ብደረጃ ዝተሓተ እዩ። መሰረታዊ ብቅዓት ብመደብ ከምኡውን ብዘይ መደብ ዝተበጽሐ ክኸውን ይኽእል ። ተመሃራይ ብዝተፋላለየ ምኽንያት፣ መእተዊ ናብ ላዕላይ ደረጃ ትምህርቲ ወይውን ናይ ሞያ ትምህርቲ እንተዘይ ኣጠናቂቁ፣ ንኣብነት ትምህርቲ ምስ ዘቋርጾ ወይውን ብገለ ዓይነት ትምህርቲ ምስ ዝተርፍ ፣ እቲ ተምሃራይ ኣብ እዋን ኣስተምህሮ ንዘጥረዮ ብቅዓት ዝገልጽ ሰነድ ይረክብ።። ኣድላዪ ኣብዝኾነሉ እዋን ድማ፡ ተምሃራይ ነቲ ዝተረፎ ዓይነት ትምህርቲ ብምምላእ ፣ ሙሉእ ሞያዊ ፍልጠት ወይውን ኣጠቃላሊ መእተዊ ፍልጠት ናብ ላዕላዋይ ትምህርቲ ከማልእ ይኽእል።

ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ

ኣብ ነርወይ ዝለዓለ ትምህርቲ ብዘይ ክፍሊት እዩ ዝወሃብ። ተምሃሮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ብዝተማህርዎ ዓይነት ትምህርትን ብዝረኸብዎ ናይ ትምህርቲ ውጺኢት ነጥብታትን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ይረኽቡ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ ኣማኸርቲ፣ ነቶም ናብ ላዕላዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክቕጽሉ ዝደልዩ ተምሃሮ ዝኸውን ሓጋዚ መምርሒ ኣብ ምሃብ ይሕግዙ።