ንድሕሪት ተመለስ

መባእታን ማእከላይ ደረጃን

10 ዓመት
መባእታን ማእከላይን ደረጃ ዓሰርተ ዓመት ዘጠቃለለ ኮይኑ ኹሎም ኣብ ክሊ ዕድመ ካብ 6-16 ዓመት ዝርከቡ ቆልዑ: ብግዴታ ይምሃሩዎ። ነዚ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ከተማዊ ምምሕዳር ብሓላፍነት ይሰርሓሉን ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ይወሃብን። መባእታውን ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብቅዓት ምስ ዘይህልወካ፣ ካብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ይኹን ወይውን ናይ ስራሕ ልምምድ ምስ ዝህልወካ ንሓፈሻዊ ፍልጠትካ ብምግምጋም ኣብ ቀጻሊ ትምህርቲ ክትኣቱ ዕድል ይውሃበካ።